Viktigt meddelande

På förekommen anledning uppmanar vi nu alla våra registrerade kunder att byta lösenord, se nyhet på vår hemsida.

Visa undermeny

ናይ ስራሕ ልምምድ (ፕራክቲክ) ትደሊ ዶ ?

ኢናንፎስካፕስኣካዳሚን (Innanförskapsakademin) ዝበሃል ፕሮጀክት ብዘይ ስራሕ ንዘለዉ መናእሰይ ዕድመ ካብ 18 – 24  ዓመት  ፣ ንሓደሽቲ ዕቕባ ሓተቲን ኣብ ሓገዝ መትከሊ እግሪ ( ኢታብለሪንግ )ዘለውን ፕራክቲክን ስልጠናን ንሰለስተ ወርሒ ዝህብ ፕሮጀክት እዩ።

ብፕራክቲክ ፤ ስልጠናን ሓፂር ትምህርትን ኣቢልካ ስራሕ ልምዲ፣ ፍልጠትን ርክብ ምስ ዝተፈላለዩ ስራሕ ውሃብትን መንገዲ ናብ ስራሕን ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ።ፕራክቲክ (ናይ ስራሕ ልምምድ) ምስ ተወደአ ውን ንስኻ /ኺ ፕራክቲክ ዝነበርካ ፣ ኦስተርሱንድስሄምን መራኸብቲ ስራሕን(ኣርበጽፎመድሊንገን)ብሓባር ብምዃን ናይ ስራሕ መማረፅታት ክንረኽበልካ/ኪ  ተስፋ ንገብር። እዙይ ውን ኣብቲ ፕራክቲክ ዝሰራሕኻሉ ወይ ኣብ ካሊእ ስራሕ ወሃቢ ትካል ክኾን ይኽእል እዩ።ብዝበለፀ እቲ ናትካ ድሌት ( ባህጊ) በዚ ዝቕፅል ፎርሙላ ( መሰረት) ልኣኸልና። ንሕና ውን ንዝቕፅል ናይ ፕራክቲክ እዋን ምልመላና ወዲእና ክንምለሰካ ኢና።  ሲቪ ( ናይ ስራሕ መረዳእታኻ) እንተለካ ውን ኣተሓሕዝ።ዝኮነ ዓይነት ሕቶ ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ኢንናንፎስካፕሳካደሚን (Innanförskapsakademin) እንተለካ በዚ ዝስዕብ ኢ- መይል ልኣኸልና .  innanforskapsakademin@ostersundshem.se.